Podcasts by Category

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS

Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።

5075 - "ንህዝቢ (ቋሓይን) ከርዕድን ርእሱ ከድንን ዝጸሓፍክዋ መጽሓፍ ኣይኮነትን።" ሚካኤል ኣዶናይ
0:00 / 0:00
1x
  • 5075 - "ንህዝቢ (ቋሓይን) ከርዕድን ርእሱ ከድንን ዝጸሓፍክዋ መጽሓፍ ኣይኮነትን።" ሚካኤል ኣዶናይ

    ስነ ጥበባዊ ሚካኤል ኣዶናይ፡ ብዝስእሎ ስእልታት ዝና ዘትረፈ ኮይኑ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ልዕሊ ኣርባዕተ መጻሕፍቲ ዝጸሓፈ'ውን እዩ። ኣብዚ ቅሩብ እዋን ብዛዕባ ካብ 1965 ክሳብ 1989 ዓ/ም ኣብ ዘሎ ኣብ ቆሓይን ዝነበረ ኩነታት እትገልጽ መጽሓፉ "መሳኹቲ ማይምነ" ዝምልከት ብተወላዶ ቆሓይን ኣብ ካልእ መዲያ ርእይቶ ክወሃብ ቀንዩ። ብዛዕባ'ቲ ዝተዋህበ ርእይቶን ዕላማ መጽሓፉን ብዝምልከት ምስ ረዲዮ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ዝገበሮ ቃለ መሕትት ቀሪቡ ኣሎ።

    Fri, 31 May 2024 - 34min
  • 5074 - ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (30 ግንቦት 2024)

    ንሎሚ ሓሙስ 30 ግንቦት 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ብዛዕባ ኣገባብ ኣበዓዕላ መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ምስቲ መዓልቲ ተተሓሒዙ ዝቐርብ ዝተፈላለዩ ርእይቶታት ክንጸባረቑ ቀንዮም ኣለዉ። ኣብ ደምበ ተቓዉሞ ዝጸንሑ ነበርቲ ኣውስትራሊያ ኣብዝተገብረ ጽምብል ክንርከብ ኣለና ብምባል ቅድሚ ሕጂ ክገብርዎ ዝጸንሑ ብዝተፈልየ ክገብሩ ዘገበረ ኩነታትን ምስቲ ኣብ ደምበ ተቓዉሞን ንለውጢ ኣብ ኤርትራ ክሓትዎ ዝጸንሑ ሕቶታትን ዝምልከት ናይ ሎምን ትማልን መትከሎምን ክልተ ዕዱማት ገሊጾምልና ኣለዉ። እቲ ምስ ኣቶ ወልደየሱስ ገብራይን ኣቶ ሞሓመድ ኢማም ዓብዱራማንን ዝገበርናዮ ዘተ ካል ኣይን ናይ መውዳእታን ቀሪቡ ኣሎ። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያ ኣብ ከቢድ ጸገም ከምትርከብ ፓትርያርክ ብጹእ ኣቡነ ማትያስ ገሊጾም። ኣብ መቐለ ብ 3.6 ቢሊዮን ብር በጀት ዝህነጽ ዘሎ መሰረተ ልምዓት ኣብ ዝሓፀረ እዋን ንምዝዛም ይስራሕ ከምዘሎ ተገሊፁ። ፕረዚደንት ኢሰያስ፣ ምምዝባልን ስደትን ህዝቢ ሱዳን ከብቅዕ ጸዊዑ ። ። ኣብ ሰሙናዊ መደብ (ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ) ባህሊ ምስታይ ቡን ኣውስትራሊያ፡ ክቐርብ’ዩ። ኣርእስታት ዜና፥ እስራኤል ናብ ራፋ ንመጥቃዕቲ ታንክታት ልኢኻ ። ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ደቡብ ኣፍሪቃውያን ኣብታ ሃገር ኣብ ዝካየድ ሓፈሻዊ ምርጫ ድምጾም ንምሃብ ናብ ነቑጣታት መድመጺ ውሒዞም ። ኣብ ርእሲ ከተማ ሕንዲ ዝዀነት ደልሂ ፡ ካብ ቅድሚሕጂ ዝዛየደ 52.3 ዲግሪ ሰንቲግሬድ [ብረቡዕ 29 ግንቦት] ብርቱዕ ሙቐት ተመዝጊቡ ።

    Thu, 30 May 2024 - 56min
  • 5073 - ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (30 ግንቦት 2024)

    ኣርእስታት ዜና፥ እስራኤል ናብ ራፋ ንመጥቃዕቲ ታንክታት ልኢኻ ። ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ደቡብ ኣፍሪቃውያን ኣብታ ሃገር ኣብ ዝካየድ ሓፈሻዊ ምርጫ ድምጾም ንምሃብ ናብ ነቑጣታት መድመጺ ውሒዞም ። ኣብ ርእሲ ከተማ ሕንዲ ዝዀነት ደልሂ ፡ ካብ ቅድሚሕጂ ዝዛየደ 52.3 ዲግሪ ሰንቲግሬድ [ብረቡዕ 29 ግንቦት] ብርቱዕ ሙቐት ተመዝጊቡ ።

    Thu, 30 May 2024 - 10min
  • 5072 - ፕረዚደንት ኢሰያስ፣ ምምዝባልን ስደትን ህዝቢ ሱዳን ከብቅዕ ጸዊዑ ።

    ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያ ኣብ ከቢድ ጸገም ከምትርከብ ፓትርያርክ ብጹእ ኣቡነ ማትያስ ገሊጾም። ፌደራሊስ ኮንግረስ ኦሮሞ ካብቲ ኣብ ኢትዮጵያ ተጀሚሩ ዘሎ ሃገራዊ ዘተ ንርእሱ ከምዘርሓቐ ገሊጹ። ኣብ መቐለ ብ 3.6 ቢሊዮን ብር በጀት ዝህነጽ ዘሎ መሰረተ ልምዓት ኣብ ዝሓፀረ እዋን ንምዝዛም ይስራሕ ከምዘሎ ተገሊፁ። ፕረዚደንት ኢሰያስ፣ ምምዝባልን ስደትን ህዝቢ ሱዳን ከብቅዕ ጸዊዑ ተባሂሉ

    Thu, 30 May 2024 - 05min
  • 5071 - ዳግማይ ለበዳ ከይክሰት ይስጋእ፡ መራሕቲ ዓለም ንምምካቱ ኣይሰማምዑን።

    ድሕሪ ለበዳ ኮቪድ-19 ፡ ማሕበረሰብ ዓለም ፡ ምክልኻል ፡ ምድላውነትን ግብረ-መልስን ዘደልድል ሓድሽ ስርዓት ከምዘድልዮ ተሰማሚዑ ። እንተዀነ ግን: እቲ ኣብ ጄኔቫ ዝግበር ዘሎ ናይ ዉድብ ጥዕና ዓለም ዋዕላ ኣብዚ ሰሙን ብዛዕባ እዚ ሓድሽ ናይ ለበዳ ውዕል ኣብ ጸገም ምህላዉ ተፈሊጡ ። ቅድሚ ኣኼባ ዝቐረበ ናይ መወዳእታ ንድፊ ዘይተሰማዐ ስለ ዝነበረ: ኣብ ሓድሽ ናይ ግዜ ገደብ ስምምዕ ክብጻሕ ዘይከኣል እዩ ዝመስል ። ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠት ድማ እቲ ቀጺሉ ዘሎ ለበዳ "ኣብ ቀረባ" ምዃኑ የጠንቅቑ ኣለዉ ።

    Thu, 30 May 2024 - 05min
Show More Episodes