Nach Genre filtern

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS

Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።

5371 - “ቦትስዋና ንፖለቲካ ከም ኩዕሶ እግሪ’ዮም ዝርእይዎ፡ ኣብ ንሕድሕዶም ጽልኢ ዝበሃል የብሎምን።” ዮሃንስ በራኺ
0:00 / 0:00
1x
  • 5371 - “ቦትስዋና ንፖለቲካ ከም ኩዕሶ እግሪ’ዮም ዝርእይዎ፡ ኣብ ንሕድሕዶም ጽልኢ ዝበሃል የብሎምን።” ዮሃንስ በራኺ

    ኣብ እዋን’ቲ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኣመሪካ ዝተገብረ ምርጫ፡ ኣብ ከም በዓል ሞዛምቢክ፡ ሞሪሺየሽን ቦትስዋናን ምርጫ ተገይሩ ነይሩ። ብፍላይ ኣብ ቦትስዋና ኣብ ዝተገብረ ምርጫ እቲ ንልዕሊ ፍርቂ ክፍለ ዘመን (58 )ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ሰልፊ፡ ሰልፊ ደሞክራሲ ቦትስዋና (Botswana Democratic Party (BDP)) ብምርጫ ብሰልፊ ተቓዋሚ ጽላል ንደሞክራሲያዊ ለውጢ (The Umbrella for Democratic Change) ተሳዒሩ እቲ ኣገዳሲ ዝገብሮ ግና እቲ ዝጸንሐ መራሒ ነቲ ዝሰዓረ መራሒ ተቓዋሚ ቅድሚ ምቑጻር ምውዳኡ “እንቋዕ ኣሐጎሰካ፡ ኣነ ተሳዒረ ኣለኹ” ክብል ደዊልሉ። ቦትስዋና ግን ንምንታይ እያ ሰላማዊት ሃገር ኮይና፡ ታሪኽ ፖለቲካን ቁጠባን እታ ሃገር እንታይ ይመስል፧ ካል ኦት ሃገራት ኣፍሪቃ ካብታ ሀገር እንታይ ክመሃራ ይኽእላ፧ ነዚን ምስ ኡ ዝተሓሓዝ ሕቶታት ኣብታ ሃገር ንንውሕ ዝበለ ዓመታት ዝተቐመጠ ኣርክቴክት ዮሃንስ በራኺ መሊሱልና ኣሎ።

    Thu, 14 Nov 2024 - 24min
  • 5370 - ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ፖድካስት (14 ሕዳር 2024)

    ንሎሚ ሓሙስ 14 ሕዳር 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ኣለዉዎ፡ ፕረዚደንት ኢሰይያስ ኣፈዎርቂ፡ ንልኡኽ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጉዳይ ሱዳን ኣዘራሪቡ፡ናይ ኤርትራ፡ ቅዱስ ሲኖዶስ 6ይ ፓትሪያርክ ክሸይም ከምዝመደበ ኣፍሊጡ።ናይ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ምስ ጊዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዘትዮም።ኮሚተ ንድሕነት ጋዜጠኛታት፡ ኢትዮጵያ መሰል ፕረስ ከተኽብር ጸዊዑ ንዓኹም ብዝበለጸ ዘርብሕ ናይ ባንክ ሒሳብ (ኣካውንት) ብኸመይ ትረኽቡ፧ ነዚ ዝድህስስ ትሕዝቶ ኣብ ሰሙናዊ መደብ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ ክቐርብ እዩ። ኣርእስታት ዜና፥ መራሒ ግዚያዊ መንግስቲ ባንግላደሽ ፡ እተን ኣብ ምውሳኽ ዓለማዊ ዋዒ እጃመን ዘበርክታ ሃገራት ፡ ንክሊማዊ ቅልውላው ንምብዳህ ገንዘብ ክህባ ኣተሓሳሲቡ ። ፈደራል ሚንስትራት ንወለዲ ብዛዕባ ትሕቲ 16 ንዝዕድሚኦም ህጻናት ማሕበራዊ መራኸቢ ናይ ምእጋድ መደብ ደብዳበ ጽሒፎም ። ናይ ኤርትራ፡ ቅዱስ ሲኖዶስ 6ይ ፓትሪያርክ ክሸይም ከምዝመደበ ኣፍሊጡ።

    Thu, 14 Nov 2024 - 55min
  • 5369 - ናይ ኤርትራ፡ ቅዱስ ሲኖዶስ 6ይ ፓትሪያርክ ክሸይም ከምዝመደበ ኣፍሊጡ።

    ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ኣለዉዎ፡ ፕረዚደንት ኢሰይያስ ኣፈዎርቂ፡ ንልኡኽ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጉዳይ ሱዳን ኣዘራሪቡ። ናይ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ምስ ጊዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዘትዮም።ኮሚተ ንድሕነት ጋዜጠኛታት፡ ኢትዮጵያ መሰል ፕረስ ከተኽብር ጸዊዑ።

    Thu, 14 Nov 2024 - 06min
  • 5368 - ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (13 ሕዳር 2024)

    ን ሎሚ 13 ሕዳር 2024 ዝተዳለዉ ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ኣርእስታት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ወርሒ ጥሪ ኣብ ዋይት ሃውስ ኣብ ዝምለሰሉ ኣብ ናይ መጀመርታ መዓልታት ስልጣኑ ብ ብዝሒ ስደተኛታት ክጥርዝን ፡ ፖሊሲታት ትምህርቲ ምምሕዳር ባይደን ከምዝቕይርን ተፈሊጡ ። ንልዕሊ 23 ዓመታት ብዘይፍርዲ ተኣሲሩ ዝርከብ ኤርትራዊ-ሽወደናዊ ጋዜጠኛ ዳዊት ኢሳቕ፡ ሽልማት “ኤደልስታም” ተሸሊሙ። ኣብ መላእ ህዝባዊ ሆስፒታላት ኒው ሳውዝ ወልስ ዝርከቡ ልዕሊ 50,000 ነርሳትን መሕረስቲን 15 ሚኢታዊ ወሰኽ ደሞዝ ብምሕታት ካብ ስርሖም ብምውጻእ ናይ 24 ሰዓታት ኣድማ ገይሮም ።

    Wed, 13 Nov 2024 - 06min
  • 5367 - Finding a bank account that works hard for you - ንዓኹም ብዝበለጸ ዘርብሕ ናይ ባንክ ሒሳብ (ኣካውንት) ብኸመይ ትረኽቡ፧

    If you have a job, receive government benefits or want to pay your bills easily you’ll need a bank account. You may even need more than one. To join the 20 million customers who hold Australian bank accounts, take some time to find one that best suits your needs. - ስራሕ እንተሃልይኩም፡ መንግስታዊ ኣበላት (ሓገዛት) ትቕበሉ ወይ ሕሳባትኩም ብቐሊሉ ክትከፍሉ እንተደሊኹም ናይ ባንክ ሕሳብ (ባንክ ኣካውንት) ከድልየኩም'ዩ። ምናልባት'ውን ካብ ሓደ ንላዕሊ ከድልየኩም ይኽእል'ዩ። ምስ'ቶም ናይ ባንክ ሕሳባት ዘለዎም ልዕሊ 20 ሚልዮን ኣውስትራልያውያን ክትጽንበሩ ነቶም ትደልይዎም ነገራት ብዝበለጸ ከተማልኡ ዝሕግዘኩም ሕሳብ ባንክ ክትረኽቡ ኣገዳሲ'ዩ። ኣብ'ዚ ንኣውስትርልያ ንገልጸሉ ትሕዝቶና እቲ ንዓኹም ዝኸውን ናይ ባንክ ሕሳብ ከመይ ገይርኩም ትመርጹ ክንምልከት ኢና።

    Wed, 13 Nov 2024 - 11min
Weitere Folgen anzeigen